Arbetslöshetskassa – tigrinja
እቶብ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት፡ መተካእታ-ደሞዝ ሽቕለት-ኣልቦነት ይወሃቦም። መተካእታ-ደሞዝ ሽቕለት-ኣልቦነት፡ ነቶም ስራሕ-ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ። መተካእታ-ደሞዝ ሽቕለት-ኣልቦነት ንምርካብ ክማላእ ዝግብኦ ቅጥዕታት ዘየማልእ ሰብ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ (ኮምዩን) ቁጠባዊ-ሓገዝ ንኽወሃቦ ከመልክት ይኽእል። እዚ ቁጠባዊ-ሓገዝ’ዚ፡ ሓገዝ-መናበሪ (ፎርሾርይኒንግስ-ስቶድ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ንምምሕዳር ከተማታት (ኮምዩናት) ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ ሊንክታት ወይ ገጻት ኢንተርነት ብምእታው፡ ንሓገዝ-መናበሪ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።