ዕድላት ምርካብ ስራሕ ንኣካለ-ስንኩላን
(Arbete för personer med funktionsnedsättning)
ብሰንኪ ስንክልና፡ ስራሕ ንኽትረኽቡ ወይ ውን ስራሕኩም ክተልቑ ምስ እትግደዱ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ስንክልና ክበሃል እንከሎ፡ ምትሓት ብቕዓት ዓቕሚ-ስራሕ ማለትና ኮይኑ፡ ስነ-ኣእምሮኣኣዊ፡ ኣካላዊ ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ክኸውን ይኽእል።
ምምሕዳር ከተማታት (ኮምዩናት) ውን ብወገነን፡ ነቶም ብሰንኪ ስንክልና ወይ ውን ትሑት ኣካላዊ ብቕዓት ክሰርሑ ዝይክእሉ ኣብ ክሊ-ዕድመ 20 ክሳብ 64 ዝርከቡ ሰባት፡ ድጋፈን ክገብራሎም ይኽእላ እየን። እዚ ሓገዛት’ዚ ንኣብነት፡ ምስ ኩነታት ናይቶም ዝምልከቶም ኣካል-ስንኩላን ሰባት ዝሳነ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ዘትኮረ ክኸውን ይኽእል።
ንስራሕ ዘለዎም ኣካለ-ስንኩላን ኣብ ቦታ-ስርሖም እንታይ ዓይነት ሓገዛት ይግበረሎም? ነቶም ዘይሰርሑ’ኸ፡ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክግበረሎም ይኽእል ዝብል ዝርዝር ኣብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቮርድጋይደን (ማእከል ሓበሬታ ጥዕናዊ ክንክን) ኣለኩም።