Olika typer av anställningar – tigrinja
ስራሕ ክትቁጸሩ እንከለኹም ክትሓስብዎ ዝግበኣኩም
(Bra att tänka på vid anställning)
- ደሞዝን ካልእ ተወሳኺ ገንዘባዊ ጥቕምታትን ዘስፈረ ውዕል ስምምዕ ምቍጻር-ስራሕ ብጽሑፍ ክወሃበኩም ሕተቱ።
- ሰዓታት ስራሕ ከምኡ ውን ክፍሊት ተወሳኺ ሰዓታት-ስራሕን ከምቲ ዝተሰማማዕኩምሉ ምዃኑ ኣረጋግጹ።
- ዝርዝር ናይቲ ዝኸፈለኩም ደሞዝ፡ ብጽሑፍ ክወሃበኩም ሕተቱ። ነዚ ዝርዝር ዝተኸፍለኩም ደሞዝ ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ዓቕብዎ። እዚ ጽሑፍ ወረቐት’ዚ፡ ዝተኸፍለኩም ደሞዝን ወሃቢ-ስራሕ ዘጕደሎ ቀረጽን፡ ብዝርዝር ዘስፈረ ሰንድ እዩ። ወሃቢ-ስራሕ ቀረጽ ምስ ዘይከፍል፡ ኣስራሒ ክኸፍሎ ዝግብኦ ቐረጽ ክትከፍሉ ትግደዱ።
ኣብዚ መርበብ’ዚ፡ ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዘተፈላለየ ቋንቋታት ተዳልዩ ይርከብ። ኣብ ጸጋማይ ክፋል ርእሰ-ገጽ ናይቲ መርበብ-ሓበሬታ ብምጥዋቕ ቋንቋኹም መሪጽኩም ብቋንቋኹም ዘድልየኩም ሓበሬታ ከተንብቡ ትኽእሉ።