Starta eget företag – tigrinja
www.arbetsformedlingen.se
www.almi.se
ተወሳኺ ሓበሬታ
(Mer information)
ናይ ባዕልኹም ትካል ክትምስርቱ ምስ እትሓሰቡ ሰፊሕ ዕድላት ሃልዩ፡ ነቶም ትካል ክምስርቱ ዝደልዩ ዝወሃብ ነጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ውን ኣለኩም።
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ከምኡ ውን ብየማን ዝርከብ ሊንኪታት፡ ንምምስራት ትካላት ዝምልከት እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ክልገሰልኩም ይኽእል ዝብል፡ ዝርዝር ኣለኩም።
ኢ.ኤፍ.ኤስ ሮድዪቭኒን (IFS Rådgivning)
ትካል ኢ.ኤፍ.ኤስ ሮድዪቭኒን፡ ኣካል ጽላል-ትካላት ኣልሚ ኮይኑ፡ ነቶም ዘይሽወደናዊ መበዎል ዘለዎም ትካል ዘለዎምን ትካል ክምስርቱ ዝሓስቡን ሰባት ዝሕግዝ ትካል እዩ።
ኮምፓንዮን ኢ ስቶክሆልም ሌን (Coompanion i Stockholms län)
ትካል ኮምፓንዮን ኢ ስቶክሆልም ሌን፡ ነቶም ብሓባር ትካል ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት፡ ነጻ ምኽርን ሓበሬታን (ካብ ሓሳብ ክሳብ ትግባሬ) ዝህብ ትካል እዩ።
ኒፎረቶጋር-ሰንትሩም (NyföretagarCentrum)
ኒፎረቶጋር-ሰንትሩም፡ ንምምስራት ትካላት ዝምልከት፡ ነጻ ናይ ምኽርን ሓበሬታን ኣገልግሎታት ዝህብ ትካል ኮይኑ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ጨናፍራት ኣለዎ፡- ስቶክሆልም፡ ሶለንቱና፡ ቴቢ፡ ዳንደሪድ፡ ቡትሺርካ፡ ሪንከቢ-ሺስታ ከምኡ ውን ኣብ ምዕራብ-ስቶክሆልም።
በዓል-መዚ ፍቓድን ምምዝጋብ ስም-ትካላትን ምልክት ንግድን
(Patent- och registreringsverket, PRV)
ናይ ባዕልኹም ትካል ክትምስርቱ ምስ እትሓስቡ፡ ስም ትካልን ምልክት-ንግድን ክምዝገበልኩምን ክዕቀበልኩምን ከተመልክቱ ኣለኩም። በዓል-መዚ ፍቓድን ምምዝጋብ ስም-ትካላትን ምልክት ንግድን፡ ናይ ንግዲ-ምልክትኩም፡ ቴክኒካዊ ሓሳባትኩምን ዲሳይንኩምን፡ ከም ግላዊ ዋኒን ከም ዝዕቀበልኩም ይገብር። ሓንሳብ ስም-ትካል ድሕሪ ምምዝጋብኩም ስም ክትቕይሩ ውን ትኽእሉ ኢኹም። ብዜካ’ዚ ጽሑፍ ምስክር-ወረቐት ውን ክወሃበኩም ይኽእሉ እዩ። እዚ ጽሑፍ ምስክር-ወረቐት ንኣብነት መጽሄት ንምዝርጋሕ ዝወሃብ ፍቓድ ክኽእውን ይኽእል። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ’ዚ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይዚ ትካል፡ ሓበሬታ ንወነንቲ ትካል፡ ኣብ ዝብል ገጻት ኣቲኹም ኣንብቡ።