ኣብ ሽወደን ምንባር
ኣብዚ ክፋል ምህሮ`ዚ ብዛዕባ ስድራ-ቤት፡ መርዓን ዝምድናታትን ዝምልከቱ ክትዓት ክተካይዱ ኢኹም፡፡ መሰላት ደቂ-ሰባት ብሕግን ብግብርን ብከመይ ይሕለዉ? ቆልዑ ክምዕብሉን ጽቡቕ ናይ ቁልዕነት-ግዜ ከሕልፉን ከምዘለዎም ከምኡ`ውን ወለዶም ኣብ ናይ ደቆም ምህሮን ምዕባለን ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበረሎምን ዝምልከት፡፡ ንመርዓ፡ ንተራ ወለድን ቤት-ትምህርቲ ሽወደንን ብዛዕባ ዝምልከት ሕጊ ፍልጠት ክትቀስሙ ኢኹም፡፡ ማዕርነት ብግብሪ እንታይ ማለት ኢዩ? ኣድልዎ እንታይ ኢዩ?
• ብዛዕባ ዝምድናታት ስድራ-ቤት እቲ ሕጊ እንታይ ይብል?
• እንተደኣ ንዓመጽ፡ ምፍርራህን ኣድልዎን ተቓሊዐ እንታይ ይገብር?
• መሰላት ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን እንታይ ኢዮም?
• ከም ወላዲ ኣብ ልዕለይ ተነቢሩ ዝርከብ ትጽቢት እንታይ ኢዩ?
• ቤት-ትምህርቲ ሽወደን ብኸመይ ይሰርሕ?