ብዛዕባ

ማእከል ልልይ ማሕበረሰብ ዞባ ስቶክሆልም (CSO) ንኹለን ኮሙናት ዞባ ስቶክሆልምን ነቲ ኣብ ዞባ ኡፕሳላ ዘሎ ኮሙን ሃቦን፡ ከም ናይ ሓባር ቤትጽሕፈት ኮይኑ የገልግል። እቲ ቤትጽሕፈት ኣብተን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ኮሙናት ንዝነብሩ ሓደስቲ ዝመጹን፡ ኣዝማድ ስደተኛታትን፡ ብዛዕባ ልልይ ማሕበረሰብ ብዚምልከት ኮርሳት የወሃህድን ይውጥንን የዳሉን፥
Botkyrka, Danderyd, Ekerö, Haninge, Huddinge, Håbo, Järfälla, Lidingö, Nacka, Norrtälje, Nykvarn, Nynäshamn, Salem, Sigtuna, Sollentuna, Solna, Stockholm, Sundbyberg, Södertälje, Tyresö, Täby, Upplands-Bro, Upplands Väsby, Vallentuna, Vaxholm, Värmdö and Österåker.

ማሕበራዊ ልልይ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዚምልከት ኮይኑ ብነጻ ዚውሃብ ኮርስ እዩ። እቲ ኮርስ ነቶም ኣብ ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ መሰላቶምን ግዴታታቶምን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ሽወደንን ከምኡውን ሕብረተሰብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝውደብን ኣፍልጦ ይህብ። ልልይ ማሕበረሰብ ብናይ ተሳተፍቲ ቋንቋ-ኣደ ወይ ብኻልእ ኣጸቢቖም ብዝፈልጥዎ ቋንቋ ይውሃብ። እቲ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ወይ ድማ እቲ ኮሙን እዩ ነቶም ኣብቲ ኮርስ ዚሳተፉ ዚምዝግብ።

እቲ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዚውሃብ ማሕበረሰባዊ ልልይ ካብ ደገ ብዝተዋሃሃደ ንጥፈታት ይካየድ። እተን ናይ ስልጠና ኩባንያታት ABF ኤቢኤፍ ስቶክሆልምን ኩበን ኡትቢልድኒንግ AB ድማ ኣቕረብትን ነቲ ኮርሳት ዘካይዳ ኣተግበርትን ኢየን። እዚ ሕጂ ዘሎ ስምምዕ ክሳዕ 31 ነሓሰ 2023 ዝጸንሕ እዩ።

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter