ኣብ ሽወደን ምንባር


 
Att leva livet i Sverige
 

ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ኮርስ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም፡ ብዛዕባ ስድራቤትን ዝምድናን ክትዛተ ዕድል ትረክብ። ብዛዕባ ሕጊ፡ ንኣብነት ንሓዳር፡ ንተራ ወለድን ቤትትምህርቲ ሽወደንን ብዚምልከት እንታይ ከም ዚብል ፍልጠት ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ሽወደን ኩሉ መሰል ህዝቢ ብሕጊ እተሓለወ ኢዩ። ህጻናት ክምዕብሉን ጽቡቕ ናይ ንእስነት ግዜ ኪህልዎምን ኪኽእሉ ይግባእ። ወለዲ ድማ ኣብቲ ናይቶም ህጻናት ትምህርትን ምዕባለን ንኺሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኣብዚ ናይቲ ኮርስ ክፋል ዝተጠርነፉ ብዚምልከት ከም ኣብነት ዚቐርቡ ሕቶታት፤
• ሕጊ ብዛዕባ ስድራቤት እንታይ ይብል?
• ማዕርነት ብተግባር እንታይ ማለት እዩ?
• ቤት ትምህርቲ ሽወደን ብኸመይ ኣገባብ ይሰርሕ?

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter