ንዓበይቲ ዝግበር ኣገልግሎታትን ድጋፋትን

(Stöd och hjälp till äldre)

ንዝዓበየ ሰብ፡ መዓልታዊ ህወቱ ውሑስን ርጉእን ኮይኑ ንኽቕጽል፡ ድጋፋት ከድልዮ ባህርያዊ እዩ። ንዓበይቲ ናይ ድጋፍ ኣገልግሎታት ምሃብ፡ ሓላፍነት ምምሕዳር ከተማታት እዩ። ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ኣድራሻ ምምህዳር ከተማታት፡ ተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ ኣገልግሎት ክንክን ንዓበይቲ ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ።


ምምዳብ ኣላዪ ንዓበይቲ

(Fixarservice för äldre)

ዓበይቲ፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ባዕሎም ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ወይ ውን ክገብርዎ ክብሉ ንምውዳቕን ካልእ ሓደጋታትን ከሳጥሖም ዝኽእል ነገራት ንምግባር። ኣለዪቲ ይምደበሎም። ኣዞም ብፊክሳረ ዝፍለጡ ኣለዪቲ፡ ነቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝህቡ ኣለዪቲ ዝትክኡ ኣይኮኑን። ፊክሳረ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ነገራት ንኣብነት፡ ኣምፑል ምቅያር፡ መጋረጃ ምውራድን ምስቓልን፡ ምስቃል ወይ ውን ምዋርድ ናይ መንደቅ ስእልታት፡ ካብ መኻዚኖ። ላዕለዋይ ክፋል ገዛ ወይ ውን ነዋሕቲ ኣርማድዮታት ኣቍሑ ምምጻእ ምምጻእ ወይ ምውራድ ወዘተ ክኸውን ይኽእል። እዚ ናይ ፊክሳረ ኣገልግሎት ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ብነጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ወይ ሓገዝ እዩ። ዝኾነ ነገራት ምእዛዝ ምስ ዘድሊ ግን። ኣዛዚ ንዋታዊ ወጽኢታት ክኸፍል ኣለዎ።


Boende och ekonomi | Olika typer av boenden | Hemtjänst och särskilda bostäder för äldre


ውክልና

(Fullmakt)

ውክልና (ፉልማክት) ንዝኾነ ሰብ ንምውካል ዝወሃብ ሕጋዊ ናይ ውክልና ፍቓድ እዩ። ንኣብነት። ዓበይቲ ምስ መንግስታዊ ትካላት፡ ባንኪትኣት ወይ ውን ፋርማሲ ኣብ ዝገብርዎ ርኽክባት ባዕሎም ክኸዱ ስለ ዘጸግሞም። ዝውክሎም ሰብ ክሮቍሑ ይኽእሉ። ተቐባልነት ንኽረክብ መታን፡ ወትሩ ፍቓድ ውክልና ብጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ። ባንኪታት ንኣብነት፡ ንውክልና ተባሂሉ ዝተዳለወ ቅጥዒታት ኣለዎም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ዝምልከቶ መንግስታዊ ትካል ወይ ባንኪ ክትሓቱ ትኽእሉ።


 

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter