ንጥፈታት ንጡረተኛታት

(Aktiviteter för pensionärer)

ሃገራዊ ማሕበር ጡረተኛታት፡ ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ማሕበር ጡረተኛታት እዩ። ኣብ ምሉእ ሽወደን፡ ንጡረተኛታት ዝምልከት ንጥፈታትን ዑደትን፡ ይዳሎ። ንንጥፈታት ማሕበር ጡረተኛታት ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዝምልከት፡ ተወሳኺ ዝርዝር፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ፡

 

ማሕበር ጡረተኛታት ሽወደን፡ ዕድመ ብዘየገድስ፡ ንኹሎም መሰል ጡረታ ዘለዎም ሰባት ዝሓቁፍ ማሕበር እዩ። እተን ብደረጃ ከባቢ ዝተወደባ ማሕበራት ጡረተኛታት ንህዝባዊ ጥዕናን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዝምልከት ዝተፈላለየ ንጥፈታት የዳልዋ። ብዜካ’ዚ እዚ ማሕበር፡ ሃገረ ሽወደን ንዓበይቲ ዝምችእ ፖሊሲታት ክትክተል ዝጽዕር ማሕበር እዩ። ኣብዚ ማሕበር’ዚ፡ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት፡ ቁጠባ፡ ጥዕናን ክንክን፡ መነበሪ፡ ርእይቶኻ ምሃብን መስል ምስራሕን ይርከብዎም። ተወሳኺ ዝርዝር ኣብኢ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ኣለኩም።


ሓለፋታት

(Rabatter)

ጡረታኛታት፡ ዝተፈላልየ ናይ ምጕዳል ዋጋታት ዕድላት ወይ ሓለፋታት ኣለዎም። ንኣብነት ንወርሓዊ ትኬት መጎዓዝያን ናብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንምእታው ዝቅረጽ ትኬታትን፡ ንጡረተኛታት ሕስር ዝበለ እዩ። ጡረተኛ ምዃንካ ብታሴራ ወይ ወረቐት-መንነት ምርግጋጽ ይከኣል እዩ። እቶም ቅድሚ 65 ዓመት ምምልኦም ጡረታ ዝወጹ ሰባት ግን ካብ በዓል-መዚ ጡረታ ምስክር-ወረቐት ክህልዎም ኣለዎ። ኣብዚ ዝስዕም ኣድራሻ ብምጥዋቕ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ በዓል-መዚ፡ ምስክር-ወረቐት ክትእዙ ትኽእሉ።

 

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter