ዲሞክራስን ተሳታፍነትን
ኣብ ሽወደን ዲሞክራሲ ኣማኢት ዓመታት ግዜ ወሲዱ ኢዩ ተሃኒጹ። ኣብዚ ክፋል ናይዚ ኮርስ ኣብ ባይቶ-ሽወደንን ኮሙናትን ውሳኔታት ብከመይ ከምዝሓልፉን ንስኻ`ውን ባዕልኻ ኣካል ኮይንካ ብከመይ ከም እተበርክትን ዝምልከት ፍልጠት ክትቀስም ኢኻ። ኣብ እትነብረሉ ኮሙን ከመይ ገይርካ ከም እትሳተፍን፣ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ሃይማኖትን ሓሳባትካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰልን ብዛዕባ መሰል ደቂ-ሰባትን ዝምልከት ክትመሃር ኢኻ።
• ሽወደን ብከመይ ትመሓደር ከምኡ`ውን ውሳኔታት ብከመይ ይሓልፉ?
• ኣብቲ ዝነብሮ ቦታ ተሳታፊ ንክኸውን እንታይ ክገብር ይኽእል?
• ማሕበራት ብከመይ ይሰርሓ ከምኡ`ውን ኣብ ሽወደን ኣየኖት ማሕበራት ይርከባ?
• ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣብ ዘለወሉ ሃዋሁ ብከመይ ንነብር?