ስራሕን ትምህርትን

 

Arbete och utbildning
 

ናይቲ ማሕበራዊ ልልይ ካልኣይ ክፋል ኮርስ፡ ስራሕን ትምህርትን ይብሃል። ኣብዚ፡ ኣብ ሽወደን ንመጽናዕትን ስራሕን ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ንምጅማርን ዚምልከቱ ዝተፈላለዩ መገድታት ኣልዒልካ ንኽትዛተ ዕድል ክትረክብ ኢኻ።

ምናልባት ዕዳጋ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብዙሕ እዋናዊ ሕቶታት ኪህልወካ ይኽእል ኢዩ፡ ወይ ድማ ምስቲ ካብ ዓድኻ ዝረኸብካዮ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዚቃዶ እንታይ ዓይነት ዕድላት ከምዘሎ ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን።

ኣብዚ ናይቲ ኮርስ ክፋል ዝተጠርነፉ ብዚምልከት ከም ኣብነት ዚቐርቡ ሕቶታት፤

• ኣብ ሽወደን ብመንጽር ትምህርቲ ዘለኒ ዕድላት እንታይ እዩ?
• ምሉእ ዕድመ ምምሃር እንታይ ማለት እዩ?
• ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘለኒ መሰላትን ግዴታታትን እንታይ ይመስሉ?

ኣብቶም ብጸጋም ዘለዉ ኩርናዓት፡ ብመገዲ ትምህርቲ ወይ ብስራሕ ጌርካ ኣብ ሽወደን ከመይ ጌርካ ክትምዕብልን ክትዓብን ሓደስቲ ነገራት ክትመሃርን ከም እትኽእል ብዚምልከት ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter