ስልጠና

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ልልይ ዘርእስቱ ኮርስ፡ ኣብ ሽወደን ንህጻናትን ንዓበይትን ዝምልከት መጽናዕቲ ብኸመይ መገዲ ከም ዝሰርሕ ዝያዳ ትመሃር። ብተወሳኺ እቲ ኮርስ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዚትርጎምን ከም ዚግምገምን፡ ዓበይቲ ሰባት ኣብ እዋን ትምህርቶም ንመነባበሪኦም ገንዘብ ኪልቅሑ ከም ዝኽእሉን፡ ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ደቆም ብኸመይ መገዲ ኪሳተፉ ከም ዝኽእሉን ዚምልከት እዩ።

እንታይ ክትመሃር ከም እትደሊ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ብናይ መጽናዕትን ሞያዊ መምርሕን ኣማኻሪ ዚውሃብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ትምህርትን ኣብያተትምህርትን ዝያዳ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ዓበይቲ ዝያዳ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ፡ ከም ንኣብነት ምምሃር ቋንቋ ሽወደን ኣብ sfi፡ ስልጠና ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ኣብ ትምህርቲ ንኣባጽሕ/komvux ነቲ ኮሙንካ ተወከሶ።

ኣብቲ ብጸጋም ዘሎ ኩርናዓት፡ ብዛዕባ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዚህልዉ ዝተፈላለዩ ተኽእሎታት መጽናዕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter