ኩነታት ዕዳጋ-ስራሕ ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም

(Arbetsmarknaden i Stockholms län)

ኣውራጃ ስቶክሆልም፡ ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ናይ ዕዳጋ-ስራሕ ዞባ እዩ። ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዞባ’ዚ ተቆጺሮም ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብ ዓመተ 2014 ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕበር። መብዛሕትኦም ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ሓደ ከተማ እንዳ ተቐመጡ፡ ኣብቲ ካልእ ከተማታት ናይቲ ዞባ ብምኻድ ዝሰርሑ እዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ጉዕዞ ካብን ናብን ስራሕን ገዛን ናቱ ግዜ ይወስድ፡ ማለት እዩ።

ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ብብዝሒ ካብ ዝርከቡ ስራሓት፡ ኣብ ጽላት ኣገልግሎታት፡ መሸጣ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ክንክን ወይ ምሕብሓብን ከምኡ ውን ኣብ መዳይ ሓበሬታዊ-ቴክኖሎጂ (ኣይ.ቲ) እዮም። ኣውራጃ ስቶክሆልም ኣብ ጎደና ዕብየትን ምስፍሕፋሕን ዝርከብ ዞባ ብምዃኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ተወሳኺ ጉልበት-ስራሕ ከድሊ ምዃኑ ይንገር።

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter