ማሕበራዊ ልልይ

Samhällsorientering

Läs samhällsorientering för en bra start i Sverige!

ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ጅማሮ ንምርካብ ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ልልይ (samhällsorientering) ኣንብብ!

ናይ ማሕበረሰብ ልልይ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓደሽ ንዝኾንካ ዝተዳለወ ኮርስ እዩ! ኣብቲ ኮርስ፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝያዳ ፍልጠት ክትረክብ ኢኻ። እቲ ኮርስ ብቋንቋ ኣዴኻ ወይ ብኻልእ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ቋንቋ እዩ ዚወሃብ።

እቲ ኮርስ ብናይቲ ኮርስ ቋንቋ ዝዛረብ መራሒ ኢዩ ዝምራሕ። ኣብ ዞባስቶክሆልም ዚውሃብ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ 102 ሰዓታት ይወስድ።

እቲ ኮርስ ዝተፈላለየ ምድላዋት ኣሎዎ፡ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ግን ድሕሪ ቀትሪ ኢዮም ነቲ ኮርስ ዚወስዱዎ። ድሕሪኡ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ቀትሪ Sfi ብምውሳድ ነቲ ኮርስ ምውህሃድ ይከኣል ኢዩ። ነቲ ማሕበራዊ ልልይ ቅድሚ ቀትሪ ምውሳድ እውን ይከኣል እዩ፣ እቲ ኮርስ ብገለ ቋንቋታት ምሸት እውን ይወሃብ እዩ።

ኣብቲ ኮርስ፡ ብዛዕባ ኣብ ልልይ ሕብረተሰብ ሽወደን ብኸመይ መገዲ ተሳታፊ ክትከው ከም እትኽእል ብኣስተምህሮታት፡ ዘተን ተግባራዊ ልምምዳትን ዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ። ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ኣብ ዘተን ኣስተንትኖን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ፡ ምይይጥ መሰረት ልምዓትን ለውጥን እዩ። ሓደ ዘተ ንኽካየድ፡ ሰባት ብዘይ ፍርሒ ዝራኸቡሉን ዝዛተየሉን ቦታ የድሊ። እምበኣር ኣብ ማሕበራዊ ልልይ፡ ኮርስ ኪብሃል ከሎ ነዚ ዓይነት ቦታ የመልክት።

ኣብ ሽወደን ኣበይ ትነብር ብዘየገድስ፡ ኣባል ናይቲ ዕላማ እተነብረሉ ጉጅለ እንተኾንካ ኣብ ማሕበራዊ ልልይ ናይ ምስታፍ መሰል ኣለካ። እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ናይቲ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዘሎ ኮርስ ፍሉይ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ንማሕበራዊ ልልይ ብዚምልከት፡ መን ናይ ምስታፍ መሰል ከም ዘለዎን ናይቲ ኮርስ ምዝገባ ብኸመይ መገዲ ከም ዚግበርን ንምፍላጥ ኣብቶም ኣብ ጸጋም ዘለዉ ኩርናዓት ኣቲኻ ብተወሳኺ ኣንብብ።

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter