ናይቲ ኮርስ ኣቃውማ/ቅርጺ

Kursens struktur

ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዝበዝሐ ኮርሳት ፍርቂ መዓልቲ እዩ ዚወስድ። ንትሽዓተ ሰሙን ሰለስተ ሰዓታት/መዓልቲ (ሸሞንተ ምሉእ ሰሙናት፡ ከምኡ’ውን እቲ ኮርስ ኣብ ሰኑይ ታሽዓይ ሰሙን ብኣርባዕተ ሰዓታት ዝወስድ ትምህርቲ ይውዳእ)። እቲ ኮርስ ንግሆ ወይ ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሓሙስ እዩ ዚካየድ።

እቲ ቤት ጽሕፈት (CSO) ኣብ ዓመት ሓያሎ ናይ ምሸት ኮርሳት ብቋንቋታት እንግሊዝን ታይላንድን ከካይድ እውን መደብ ኣለዎ።

ኣብ ሰሙን ብዝተሓተ ናህሪ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ወይ ድማ ብካልእ ኣገባብ ነቲ ኮርስ ንምክትታል እኹላት ተሳተፍቲ ምስ ዚህሉዉ፡ ሽዑ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ ብተወሳኺ ቋንቋታት ዚወሃቡ ናይ ምሸት ኮርሳት ከምኡውን ካልእ ብዛዕባ ኣቃውማ ኮርስ ዚምልከቱ ሕቶታት ንCSO ተወከሱ።

ሓደ ኮርስ ንኽጅምር እንተወሓደ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ምዝጉባት ተሳተፍቲ ኪህልዉ ይግባእ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ኮርስ እቲ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ኣዝዩ ትሑት ምስ ዚኸውን፡ እቲ ኮርስ ዝጅምረሉ መዓልቲ ንቕድሚት ኪመሓላለፍ ወይ ድማ እቲ ኮርስ ክስረዝ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቤትጽሕፈት ብዛዕባ ኣብቲ ኮርስ ኪመጽእ ዝኽእል ለውጢ፡ ንተሳታፍን ነቲ ኣሳላጢ ጉዳይን የፍልጥ።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter