ትሕዝቶ

Innehåll

እቲ ናይ ማሕበረሰብ ልልይ መደብ፡ እቲ ማሕበረሰብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ከምኡውን ስራሕ ንምርካብን ናብ ሕብረተሰብ ንምእታውን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣፍልጦ ይህበካ።

ኣብቲ ኮርስ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ብኸመይ መገዲ ዝያዳ ክትሳተፍ ከም እትኽእል ብኣስተምህሮታትን ዘተን ተግባራዊ ልምምዳትን ትመሃር።

ንሱ ድማ ናይ ትምህርታዊ ምብጻሕን፡ ናብቲ ናይ ኮርስ ዚካየደሉ ቦታ ምብጻሕን የጠቓልል፣ ንኣብነት ናብ ባይቶ ሽወደን፡ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ብምብጻሕ ወይ ድማ እቲ ኮርስ ባዕሉ ብማሕበራዊ ኣገልጋሊ ኪብጻሕ ከሎን።

እቲ ኮርስ ብናይ ምምሃር ተመክሮ ዘለዎ ማሕበራዊ ኣራኻቢ (መራሒ ኮርስ) ዝምራሕ ኮይኑ በቲ ኮርስ ዝወሃበሉ ቋንቋ ዚዛረብ ድማ እዩ።

ናይቲ ኮርስ ውጥን/ሲለባስ

ናይቲ ማሕበረሰባዊ ልልይ ሓፈሻዊ ዕላማ፡ ተሳተፍቲ ብዛዕባ’ዞም ዚስዕቡ ፍልጠት ከጥርዩን ከማዕብሉን ብማለት ኢዩ፥

  • ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ሽወደንን
  • ብሓፈሻ ናይቲ ውልቀሰብ መሰላትን ግዴታታትን
  • ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝውደብ
  • ግብራዊ መዓልታዊ ህይወት

ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዝወሃቡ ኮርሳት ኣርባዕተ ምዕራፋት ዝሓቖፉ ኢዮም፥

ቀዳማይ ክፋል፡ እንቋዕ ናብ ሽወደን ብደሓን መጻእኩም (27 ሰዓታት)

  • ናብ ሽወደን ምምጻእ
  • ኣብ ሽወደን ምንባር
  • ኣብ ሽወደን ንጥዕናኻ ምክንኻን

2 ክፋል፡ ስራሕን ትምህርትን (24 ሰዓታት)

  • ኣብ ሽወደን መነባብሮኻ ምስትኽኻልን ምምዕባልን
  • ሕጽረት ሞያን ዕዳጋ ዕዮን
  • ትምህርቲ ንዓበይትን ላዕለዋይ ትምህርትን

  3 ክፋል፡ ዲሞክራስን ተሳትፎን (24 ሰዓታት)

  • ናይቲ ውልቀሰብ መሰላትን ግዴታታትን
  • ኣብ ሽወደን ጽልዋ ምግባር
  • ኣብ ሽወደን ዘሎ ስርዓተ-ሕጊ

4 ክፋል፡ ህይወት ኣብ ሽወደን (25 ሰዓታት)

  • ኣብ ሽወደን ስድራ ምምስራትን ምስ ቆልዑ ምንባርን
  • ማሕበራዊ ህይወት
  • ኣብ ሽወደን ዕድመ ምድፋእ
RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter