መን እዩ ኣብ ማሕበራዊ ልልይ ንምስታፍ መሰል ዘለዎ?

Vem har rätt till samhällsorientering?

ኣብ ማሕበራዊ ልልይ ንምስታፍ መሰል ዘለዎም ክልተ ዕላማ እተነብረሎም ጉጅለታት (målgrupper) ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ መደብ ምትካል እግሪ (etableringsprogrammet) ኣብ ቤጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ (arbetsförmedlingen) ዝርከቡ ሰባት

ከም ስደተኛታት ወይ ብናይ ስደት ዝመስል ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፡ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣካል ናይቲ ብቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ዝካየድ መደብ ምትካል እግሪ ዝኾኑን ኣብ ሓደ ካብቶም ዝተሓባበሩ ኮሙናት ዝነብሩን ሰባት፡ በቲ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዚርከብ ቤትጽሕፈት ዝተወደበ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ኩለን ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዚርከባ ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ዝተሓባበራ ኮሙናት።

ገለ ስድራቤታዊ ስደተኛታት ኣብ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ልልይ ንኺሳተፉ መሰል ኣለዎም

እተን ኮሙናት ንገለ ኣዝማድ ስደተኛታት እውን ማሕበረሰባዊ ልልይ ኪህባ ግዴታ ኣለወን። ናይቶም ኣብቲ ኮርስ ናይ ምስታፍ መሰል ዘለዎም ኣዝማድ ስደተኛታት እዞም ዚስዕቡ ኢዮም፥

  • ኣብዚ ስድራቤት/መጻምድቲ ስለ ዘለዎም ናብ ሽወደን ዝመጹን ከምኡውን 18 ዓመት ዝመልኡን ግን ከኣ 66 ዘይመልኡን ሰባት
  • ኣብ ሽወደን እንተ በዝሐ ንሰለስተ ዓመታት ምዝጉባት ዝኾኑ። ናይተን ኮሙናት ማሕበረሰባዊ ልልይ ናይ ምሃብ ግዴታአን ዚውዳእ፡ እቲ ሰብ ኣብ ሓደ ኮሙን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ካብ ዚምዝገብ ጀሚሩ ሰለስተ ዓመት ምስ ቆጸረ ኢዩ።
  • ካብ ከባቢ EES/ስዊዘርላንድ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ዝመጹ ዜጋታት

እቶም በዚ ዘይጥርነፉ ድማ፤

  • ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ተማሃሮ
  • ናይ ዕዮ ወይ ሸቕሊ ስደተኛታት
  • በጻሕቲ/ኣጋይሽ ተማሃሮን፡ በጻሕቲ/ኣጋይሽ ተመራመርትን

ኣብቲ እቲ ሰብ ዘለዎ ዓይነት ዝምድና ዚምልከት መንበሪ ፍቓድ ብምምኳስ፡ ንብዙሓት ኣብዚ ዕላማ እተነብረሉ ጉጅለ ዘለዉ፡ ዛጊት ኣብቲ ኣብ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ዘሎ ናይ እግሪ ምትካል መደብ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም፡ በዚ ድማ ኣብቲ ኮርስ ይምዝገቡ። እቲ ዘመድ ኣብ ሽወደን ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ዝተቐመጠ እንተ ኾይኑ ወይ ድማ ሽወደናዊ ዜግነት እንተ ሃልይዎ ግን፡ እቲ ናይ ዘመድ ስደተኛ፡ ኣብ ናይ ምትካል እግሪ መደብ መሰል የብሉን፡ ብኣንጻሩ ግን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ልልይ መሰል ኣለዎ።

እቲ ናይ ማሕበረሰብ ልልይ ኮርስ፡ ድሕሪ ህዝባዊ ምዝገባ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክጅመር ይግባእ።

ኣባላት ናይቶም ዕላማ እተነብረሎም ጉጅለታት ዘይኮኑ ሰባት፡ ነቲ ኮርስ ኪሳተፉዎ ዝኽእሉ እቲ ናይቲ ዚቕመጡሉ ኮሙን ምስ ዘጽድቖ ጥራይ እዩ።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter