ናይ ፊልም ስክሪፕት ብትግርኛ

Filmmanus på tigrinja

ኣብ ታሕቲ፡ ኣብቲ ናይዚ ዌብሳይት ቀዳማይ ገጽ ዝርከብ ንልልይ ማሕበረሰብ ዚምልከት ብትግርኛ እተዳለወ ናይ ፊልም ስክሪፕት ኣሎ።

ሰላም፣ ጥዕና ይሓበልና ንኹልኹም ናብ ሽወደን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝኣተኩም!

ሓዲሽ ኮንካ ናብብ ሓደ ሓገር ምምጻእ ብዙሕ ስራሕ’ዩ ኣለዎ። ኣብ ሽውደን ከምቲ ኣብ ዓዲ ዝነበረካ ዓይነት መነባብሮ ከይሕልወካ ይኽእል’ዩ።

ንኣብነት፣ ብዛዕባ ገዛ እንታይ ኢኻ ትገብር?
ስርዓተ ትምሕርቲ ሽወደን ብኸመይ እዩ ዝሰላሰል?
ኣብ ሽወደን ስድራቤት ብኸምይ ትምስርት?

ብቀሊሉ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ሽወደን ንምጽንባርን ኣብ መወዳእታውን ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንምእታው፣ ዝጠቕም ኮርስ ሲቪክ ስልጠና ተዳልዩ ኣሎ።

ኣብቲ ኮርስ፣ ብዛዕባ ክብረታትን ባህልን ሽውደን ክትማሃር ትኽእል።

ብዛዕባ መሰልን ግዴታታትን፣ ውዳበ ዲሞክራሲ ኣብ ሽወድን ብኸመይ ይስርሕን፣ ጥራፈ ሕብረተሰብ ሽወደንን ትምሃር።

እዚ ኮርስ እዚ ብዘይ ክፍሊት እዩ።  ብሓባር ቑንቛኻ  ምስ ዝዛረቡ ሓለፍትን፣ ተመሃሮን ኢኻ ነዚ ትምሕርቲ ትቐስሞ።

“ ኣዚዩ ዘሐጎሰኒ ነገር እንተሎ፣ ነቲ ኮርስ ብቛንቛ ኣደይ ማለት ብትግረኛ ንክማሃርን፣ ሕቶታት ክሓትትን ምስ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት፣ ማለት እብ ዙርያ እዚ ትመሕርቲ’ዚ ዝተሰረተሉ ፍለጠት ክዝተን ክትንትንን ኣኽኢሉኑ።”

እንድሕሪ ኣብ ክሊ እድመ 18 -64 እንተ ኾንካ፣ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ እንድሕሪ ናብ ሽወደን መጺኻ፣ ኣብ መላለይ ፕሮግራም ሕዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ ምዝጉብ እንተድኣ ኮንካ፣ ኣብ ስልጠና ሲቪክ ክትምዝገብ ብቑዕ ኢኻ።”

ኣባላት ስድራቤት ስደተኛታት’ውን ነዚ ትምህርቲ ክምሃርዎ ይኽእሉ እዮም።

“ኣብዚ ዓውደ ትምሕርቲ’ዚ ብዙሕ ነገር ተማሂረ፣ ንኣብነት፣ ብኸመይ የድምጽ፣ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብኸመይ ይዓዪ ተማሂረ። ሲቪክ ስልጠና፣ ንሽወደን ኣጸቢቐ ክርዳእ ኣኽኢሉኒ፣ ብፈላይ ድማ ልኽእ ኣብ ገዛይ ወይ  ኣብ ኣደይ ከም ዘለኹ ኮይነ ንኽነበር ኣኽኢሉኑ ኣሎ።”

ዝያዳ ብዛዕባ’ዚ ስልጠና ሓበሬታ ንምርካብን ንምምዝጋብን ኣብዚ ተወከሱ nyistockholm.se  እዚ መርበብ ብዝተፈላለዩ ቛንቛታት ተዳልዩ ይርከብ!

ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝያዳ ክትማሓሩ ትኽእሉ ኢኹም፣ መርሃባ!

sam@stockholm.se

 

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter