መርሓባ ናብ ሽወደን

 
 
Välkommen till Sverige
 

ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዝተዳለዉ ኮርሳት ማሕበራዊ ልልይ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ይምቀሉ። ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ኮርስ “እንቋዕ ናብ ሽወደን ብደሓን መጻእኩም” ዚብል እዩ። ኣብቲ ክፋል ብዛዕባ ንኣብነት ባህሊ፡ ጂኦግራፊን ታሪኽን ሽወደን ዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ። ሕብረተሰብ ሽወደን ኣብ ምንታይ ክብርታት ዝተመስረተ ምዃኑን ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ከኣ ትካላት መንግስትን ኮሙናትን ብኸመይ መገዲ ከም ዝሰርሑ ብተወሳኺ ክትፈልጥ ኢኻ።

ኣብዚ ናይቲ ኮርስ ክፋል ዝተጠርነፉ ብዚምልከት ከም ኣብነት ዚቐርቡ ሕቶታት፤
 
• ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ሽወደንን ካልኦት ትካላት መንግስትን ብኸመይ ይሰርሑ?
• ሕብረተሰብ ሽወደን ኣብ ምንታይ ክብርታት ዝተመስረተ ኢዩ?
• ኣብ ሽወደን ስርዓተ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ይሰርሕ?
 
ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ዘለዉ ኩርናዓት፡ ተወሳኽቲ ሓበሬታን፡ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኮርስ ዝተጠርነፉ ክፋላት ትሕዝቶን፡ ዝሓዙ መላግቦታትን ይርከቡ።

 

 




RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter