ሽወደን ብሕጽር ዝበለ

ብዝሒ ህዝቢ

(Befolkning)

ምስ’ቲ ዕብየት ናይ እታ ሀገር ኣዛሚድካ ሽወደን ሓደ ውሑድ ህዝቢ እዩ ዘለዋ። ኣብ 450 000 ትርብዒት ኪሎመተር ስፍሓት ዳርጋ 10 ሚልዮን ሰባት ይቕመጡ። ሽወደን ድሕሪ ሩስያ፡ ዩክረይን፡ ፈረንሳን ስፓኛን ሓሙሸይቲ ዝዓበየት ሃገር ኣብ ኤውሮጳ እያ።

ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም። ካብዚኦም ገለ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ጉጅለ ወጻእተኛታት ካብ ፊንላድ፡ ዒራቕን ሶርያን እዮም ዝመጹ።

ሽወደን ካብ ሰሜን ሽወደን ከምኡ’ውን ካብ ሰሚናዊ ሸነኻት ናይ ኖርወይን ፊንላንድን ዝመጹ ሳመር ደቀባት ኣለውዋ።

ርእሰ ከተማ

(Huvudstad)

ስቶክሆልም ናይ ሽወደን ርእሰ ከተማ ከምኡ’ውን ናይ’ታ ሃገር ዝዓበየት ከተማ እያ። ኣብ ምልእቲ ኣውራጃ ስቶክሆልም ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ይቕመጡ። ኣብ ምሉእ እቲ ኣውራጃ ብድምር 26 ምምሕዳራት ኣለዋ።

ተፈጥሮ

(Natur)

ሽወደን ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ 1 600 ኪሎመተር እያ፡ ዳርጋ ፍርቂ ናይ’ዚ ስፍሓት ብጫካ ዝተሸፈነ እዩ። እዛ ሃገር 100 000 ቀላያት ኣለውዋ። እቶም ዝዓበዩ ቀላያት ቨነርን፡ ቨተርንን መላረን እዮም። እቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይ’ዛ ሃገር ምስ ባሕሪ ኦስተርሾን እዩ ዝዳወብ።

ዲሞክራስን ንጉሳዊ ስርዓ መንግስትን

(Demokrati och monarki)

ሽወደን ሓንቲ ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ። ኣየኖት ፖለቲካውያን እዮም ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ህዝቢ እዩ ዝውስን። ሽወደን ሓደ ንጉሳዊ ስርዓተ መንግስቲ እውን ዘለዋ እያ። ሓደ ንጉሳዊ ስርዓተ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ኣብ ክንዲ ፕረሲደንት እቲ ንጉስን ንግስትን ኣዮም መራሕቲ መንግስቲ። መበል 16 ንጉስ ካርል ጉስታፍ ፈጺሙ ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን። እዚ ኣብ’ቲ ቅዋም ዝተሰርጸ እዩ። ግን እቲ ንጉስ ስድራቤት ንጉስን ኣብ ወግዓውያን ፍጻሜት ንሽወደን ይውክሉዋ እዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ

(EU)

ሽወደን ኣባል ናይ ኤውሮጳዊ ማሕበር እያ። ሽወደን ነቲ ናይ ኤውሮጳዊ ባጠራ ኤውሮ  ንኸይትጥቀም መሪጻ።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter