መገሻ ኣብ ውሽጢ ኣውራጃ ስቶክሆልም

(Resa i Stockholms län)
Tvärbana och buss

SL (Stockholms lokaltrafik)

ብናይ ስቶክሆልም ዘቤታዊ መጓዓዝያ ኣብ ምሉ ኣውራጃ ስቶክሆልም ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ካብኦም ካብ ኣብ ሰሜናዊ ኖርተልየ ናብ ኣብ ምብራቕ ዝርከባ እኩባት ደሴታት ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ብካብ ከተማ ናብ ከተማ እትንቃሳቐስ፡ ብናይ ከተማን ናይ ኣውራጃን ኣውቶቡሳት፡ ብባቡር-ትሕቲ መሬትን ብዝተረፈ ብመንገዲ ባቡር መጓዓዝያታት (ንኣብነት ትቨርባናን፡ሩስላግስባናን ሳልትሽዮባናን)፡ ገይርካ ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ።

ብኣብ ናይ ዓባይ ስቶክሆልም ዘቤታዊ ተሽከርካሪ መርበብ ሓበሬታ ብዝዓባ ዋጋ ቲከታትን ብኸመይ ይግዝኡን ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ። እንድሕር ትሕቲ 20 ወይ ልዕሊ 65 ዓመት ኮይኑ ዕድመኻ ቲከት ብሕስር ዝበለ ዋጋ ክትገዝ ትኽል ኢኻ።

ትሕቲ 7 ዓመት ዕድመኦም ቆልዑት ምስ ሓደ ዝኸአፈለ ልዕለ ዕድመ ሰብ ብናጻ እዮም ዝጓዓዙ።

እንድሕር ብዘይብቁዕ ቲከት ተጓዒዝካ መቕጻዕቲታት ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ስቶክሆልም ባቡር ትሕቲ መሬት መዕረፊታት ብናይ ስእልታትን ቅርጻ ቅርጽን ስነጥበብ ኣዩ መሊኡ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ’ቲ ባቡር ትሕቲ መሬት መራሒ ዘለዎም ዝግበር ናይ ስነ-ጥበብ ዑደታት ይግበሩ እዮም።

ንዝያዳ ሓበሬታን ውልቃዊ ኣገልግሎትን ናብ ማእከል-SL ክትበጽሕ ወይ ናብ ናይ SL መርበብ ሓበሬታ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

 


ዋሕዚ መካይን

(Biltrafik)

ኣብ ሽወደን ምዝጉባት ዝኾና መካይን ከምኡ’ውን ኣብ መዓትታት ስራሕ ናብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ዝኣትዋን ዝወጻን ማካይን ናይ ጽቕጥቅጥ ኢሉ ዝጽዋዕ ግብሪ ይኸፍላ እየን። ኣበየና ግዜ ኣብ መዓልቲ ትንቀሳቐስ ተበጊሱ እቲ ክፍሊት ይፍላለ እዩ።

እቶም መካይን ኣብ’ቶም ናይ ክፍሊት ጣብያታት ኢሎም ዝጽውዑ ብቕጽበት ይምዝገባ እየን። እቲ ናይ ቦርድ መጓዓዝያ በዓል ስልጣን ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነቲ ዋና ማኪና ሓደ ፋቱራ ይሰደሉ።


ናይ መንግስቲ ምድሪ ባቡር

(Tåg från Stockholm)

ናብ ካልኦት ቦታት ናይ ሽወደን ካብ ናይ ስቶክሆልም ማእከል መዕረፊ ባቡር እየን ዝብገሳ። ናብ ኖርወይ፡ ዳንማርክን ጀርመንን እውን ባቡራት ይኸዳ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ካልኦት ሸነኻት ናይ እቲ ኣውራጃ፡ ንኣብነት ሱንድቢበርይን ፍለሚንግስበርይን ክትድይብን ክትወርድን እውን ትኽእል ኢኽ።


ግላውያን ናይ እውቶቡስ ኩባንያታት

(Privata bussbolag)

ግላውያን ናይ ኣውቶቡስ ኩባያታት ናብ ካልኦት ናይ ሽወደን ቦታታትን ናብ ካልኦት ሃገራትን ይመላለሳ እየን። እተን መብዛሕትአን ካብ’ቲ ኣውራጃ ዝጓዓዛ ኣውቶቡሳት ካብ ናይ ስቶክሆም ከትማ ማእከል ጣብያ ሲቲተርሚናለን ዝበሃል እየን ዝብገሳ።


መዕርፎ ነፈርቲ

(Flygplatser)

ንስቶክሆልም ዝቐረበ መዕረሮ ነፈርቲ ኣርላንዳን ብሩማን መዕርፎ ነፈርቲ እዮም።

 


 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter