መንበሪ ኣብ ሽወደን

(Boende i Sverige)

እቲ ናይ ኣውራጃ ስቶክሆልም ህዝቢ ኩሉ ግዜ እንዳበዝሐ እዩ ዝኸይድ። እቲ ህዝቢ ይበዝሕ ስለዘሎ ኣብ ስቶክሆልም ገዛ ንኽትረክብ ዝያዳ ኸቢድ ይኸውን። ብዝያዳ መንእሰያት፡ ተመሃሮን ሓደሽቲ መጻእትን እዮም ዝውጽዑ።

ገዛ ንኽትረክብ ኣብ ዝተፈላልዩ ናይ ገዛ መስርዕ ክትስራዕ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር  እቲ መስርዕ ነዊሕ እዩ። ኣብ 2021 ዓመተ ምህረት ብናይ ስቶክሆልም ናይ ገዛ መስርዕ ሓደ ናይ ክራይ ገዛ ንኽትረክብ እቲ ገምጋም ናይ መስርዕ ግዜ ትሽዓተ ዓመት እዩ ነይሩ።
 


ናይ ገዛ ደለልቲ

(Bostadsförmedlingar)

ሓደ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ምእንቲ ናይ ገዛ ክራይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል  ከተመልክተሎም እትኽእል ናይ ገዛእ ርእሰን ናይ ገዛ ደለልቲ ኣለወን። ናይ ገዛ ክራይ ዝድልላ ግላውያን ናይ ገዛውቲ ትካላት እውን ኣለዋ። ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ናይ ገዛ ደለልቲ ሓደ ናይ መስርዕ ክፍሊት ይወስዱ እዮም ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ መስርዕ ክትስራዕ ክፍሊት ኣየድልን እዩ።

ብመንገዲ ናይ ገዛ ደላሊ ኣብ ስቶክሆልምን ካላኦት ዓበይቲ ከተማታትን ሓደ ብቀዳማይ ኢድ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ክትረክብ እቲ ናይ መስርዕ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ዓመታት እዩ። ምእንቲ ብቐዳማይ ኢድ ውዕል ክትረክብ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ውሱንን ዓመታዊ ኣታዊ ክህልወካ ይጠልብ እዩ። እቲቶም ናይ ገዛ ትካላት እቲ ዓመታዊ ኣታዊ ማዕረ ክንደይ ልዑል ክኸውን ከምዘልዎ ዝተፈላለየ ጠለብ ኣለዎም። እንድሕር ከም ጽምዲ ኾይንካ ብሓንሳብ ገዛ ደሊኻ፡ ናይ ክልተኻ ኣታዊ እዩ ዝጽብጸብ።

እብ’ቲ ናይ እቶም ኮሙናት መርበብ ሓበሬታታት ናይ እቶም ኮሙናዊ ናይ ገዛ ደለልቲ ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ናይ’ቶም ናይ ግሊ ገዛውቲ ኣካረይቲ መላግቦታት ኣለው። ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትረክብ ኣብ’ቲ ናይ ኮሙንካ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ”bostadsförmedling” ድለይ።
 


ንናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል ናይ መስርዕ ስርዓት

(Kösystem för förstahandskontrakt)

እቲ ናይ ስቶክሆልም ናይ ገዛ ደላሊ ኣብ ምሉእ ኣውራጃ ስቶክሆልም ኣብ ብዙሓት ኮሙናት እዩ ናይ ገዛ ገዛ ክራይ ዝድልል። ከመይ ገይርካ ናብ ናይ ሓደ ገዛ ኣብ መስርዕ ትስራዕ፡ ዋግኡ፡ ገዛ ንኽትወሃብ ክንደይ ክትጽበይ ከምዘድልየካ ኣብ መርበብ ብዙሃኖም ሓበሬታ ኣለዎም።

ኣብ ብዝሓት ናይ ገዛ ደለልቲ ዋላ ኣብ ካልእ ኮሙን እንዳተቐምጥካ እውን ኣብ መስርዕ  ክትስራዕ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ሓደ ኣብ ኡፕላንድስቨስቢ ወይ ኣብ ቦትሺርካ ዝቕመጥ ኣብ ናይ ስቶክሆልም ወይ ኡመዮ ናይ ገዛ መስርዕ ክስራዕ ይኽእል እዩ።

 


ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ምክራይ

(Hyra bostad i andrahand)

እንድሕር ካብ ሓደ ምስ ኣካራይ ድሮ ናይ ክራይ ውዕል ዘለዎ ሰብ ገዛ ትካረይ ኾይንካ፡ ኣዚ ብኻልኣይ ኢድ ምክራይ እዩ ዝጽዋዕ።

እብ እዋን ብኻልይ ኢድ ምክራይ እቲ ገዝኡ ዘካርይ ሰብ ምስ እቲ ዘካርዮ ዘሎ ሰብ ናይ ካልይ ኢድ ውዕል ክጽሕፍ ኣለዎ። እብ’ቲ ውዕል ኣየናይ ዋጋ ክራይ ከምተወሰን፡ እቲ ውዕል ንኽንደይ ከምዝምልከት ከምኡ’ውን እቲ ናይ ምልክታ ግዜ ምንውሑ ክንደይ ከምዝኾነ ኣብ’ቲ ውዕል ክህሉ ይግባእ። እቲ ዘካርን ተኻራይን ናይ እቲ ብኻልኣይ ኢድ ውዕል ቀቅድሖም ክዕቅቡ ኣለዎም።

እቲ ነቲ ገዛ ዘካርይ ካብ’ቲ ነቲ ገዛ ተካርይሉ ዘሎ ኣካራይ ብኻልኣይ ኢድ ንኽካርዮ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ።

ናይ ዝካረዩ ናጻ ክፍሊ ወይ ገዛውቲ መወዓውዒታት ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣታት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምኡ’ን ኣብ ናይ መግለጺ ሰሌዳታት ንኣብነት ኣብ ናይ ምግቢ ዱኳናት ኣሎ።
 


ኣብ ሓደ ኣፓርትመንት ክፍሊ ተኻሪካ ምቕማጥ

(Bo inneboende)

ሓደ ክፍሊ ወይ ክፋል ናይ ሓደ ኣፓርትመንት ምክራይ ኣብ ሓደ ኣፓርትመንት ክፍሊ ተኻሪኻ ምቕማጥ ይበሃል።

እቲ ሓደ ክፍሊ ወይ ክፋል ናይ ሓደ ኣፓርትመንት ዘካርይ ምስ እቲ ዝካረ ሓደ ውዕል ክጽሕፍ ኣለዎ። እቲ ውዕል ነቲ ዝካረን ዘካርን እዩ ውሕስነት ዝህብ። እብ’ቲ ውዕል ኣየናይ ዋጋ ክራይ ከምተወሰን፡ ኣብ’ቲ እንታይ ከምዛኣቱ፡ እቲ ውዕል ንኽንደይ ከምዝኾነ ብቑዕን እቲ ናይ ምልክታ ግዜ ምንውሑ ክንደይ ከምዝኾነን ክህሉ ይግባእ።  እቲ ዘካርን ተኻኣራይን ናይ እቲ ብኽልኣይ ኢድ ውዕል ቀቅድሖም ክዕቅቡ ኣለዎም።
 


ወኪል ንብረት ኣብ እዋን ገዛ ምግዛእ

(Fastighetsmäklare vid köp av bostad)

መስል ገዛ ምግዛእን መሰል ምውናንን መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ወኪል ንብረት እዮም ዝሽየጡ። እቲ ወኪል ካብ’ቲ ገዛ ዝሸይጥ ሓደ ክፍሊት፡ ከምኡ’ዉን እቲ መሸጣ ብቕኑዕ ኣገባብ ከምዝኸይድ የረጋግጽ። እቲ ወኪል ብዛዕባ ናይ እቲ ገዛ ኩነታትን ብዛዕባ ሕጋውን ቁጠባውን ሕቶታትን ክምልስ ክኽእል ኣለዎ።
 


ፍሉይ መንበሪ ኣባይቲ

(Särskilda boenden)

ንውሱናት ጉጅለታት ፍሉያት መንበሪ ኣባይቲ ኣለው። ንኣብነት ንኣረጋውያን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ ኣረጋውያን መንበሪ ከምኡ’ውን ንኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ፍሉይ መንበሪ ኣባይቲ ኣለው።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter