ናይ ስቶክክሆልም ታሪኽ

Vy över Riddarfjärden.

(Stockholms historia)

ዓመት 1150-1252 ስቶክሆልም ክትቅረጽ ጀሚራ

(År 1150-1252: Stockholm började formas)

ኣብ’ቲ እዋን ኣቲ ኣረጊት ከተማ ካብ መላረንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጻ መራክብ ዘዕርፋሉ ዝነበራ ወደብ እያ ነይራ። እተን መራካብ ካብ መላረን መጺአን ሓጺንን ነሓስን ይጽዕና እተን ብባሕሪ ገይረን ካብ ዝተፈላለያ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝመጻ፡ ኣብ ሽወደን ዘይርከቡ ኣቑሑት ከም ጨው፡ ቀመማትን ነቢትን ሒዘን ይመጻ ነይረን።

 


ስቶክሆልም ኣብ ማእከላይ ዘመን

(Stockholm under medeltiden)

ንግድን ጉዕዞ መርከብን ከም ባኒ ዝስንክት፡ ሰፋይ ክዳን ሰራሕ ሳእንን ሰብ ሞያ ናብ ስቶክሆልም ስሒቡ። ምስ ዝያዳ ተቐማጦ ዝያዳ ገዛውቲ ተሃኒጸ። ኣብ ክሊ እታ ከተማን ናይ ምክልኻል ግንቢ መንደቕ ተሃኒጹ ኣብ ኣረጊት ከተማ ትረ ክሩኖር ግንቢ ተሃኒጹ። ኣብ ስቶክሆልም ብዙሓት ቤተክርስትያናት፡ ንኣብነት እዛ ሕጂ ስቱርሺርካን ኢላ ትጽዋዕ ቢሺክርካን ተሃኒጻ። እብ’ዚ እዋን እዚ ሽወደን ካቶሊኢካዊት እያ ነይራ።

እብ’ዚ ኣዋን እዚ ብዙሕ ውግ እዩ ነይሩ፡ መዛሕትኡ ግዜ ምስ ዳንማርካውያን። ድሕሪ ዳንማርካውያን ዓመት 1520 ኣብ ሽወደን ስልጣን ምስ ሰዓሩ እቲ ዳንማርካዊ ንጉስ ዳግማዊ ክሪስቲያን ኣብ እዋን ናይ ስቶክሆልም ኣብ ስቶርቶርየት ኣብ ኣረጊት ከተማ ብደም ዘዕለቕለቐትሉ ተረኽቡ ነቶም ናይ ሽወደን ዝሓየሉ ሰባት ኣጽነቶም። ሽወደን ኣብ 1530- ክፍለ ዘመን ናብ ሉተራዊ ዓይነት ክርስትና ተሰጋጊራ።

ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ 9 000 ሰባት ይነብሩ ነይሮም።


1600-ክፍለ ዘመን፡ ስቶክሆልም ርእሰ ከተማ ኮይና

(1600-talet: Stockholm blev en huvudstad)

ድሕሪ ብዙሕ ውግኣት ሽወደን ሓንቲ ሓያል ሃገር ኮይና። ሕጂ ነታ ንእሽተይ ከተማ ስቶክሆልም ንምህናጽ ዝያዳ ምንጭታትን ኣኽእሎን ተፈጢሩ። ብዙሓት ናይ ዕንጨይቲ ገዛውቲ ኣንዳፈረሱ ወይ ናብ ካልእ እንዳገዓዙ እቶም ናይ እታ ከተማ ሃብታማት ሰባት ዝቕመጡሎም ኣዳራሻት ኣስሪሖም። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ድሮትኒንጋታን ረየሪንግስጋታን ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ተሃኒጾም። ኣብ መንጎ 1650-1654 ዓመተ ምህረት ንግስቲ ክሪስቲና እያ ትገዝ ነይራ። ግምቢ ትረ ክሩኖር ኣብ 1697 ዓመተ ምህረት ነዲዱ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ገጠራት ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ካብ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ሃገራት ናብታ ከተማ ምስ ገዓዙ ስቶክሆልም ዓብያ። ኣብ 1670 ዓመት ምህረት እቲ ብዝሒ ህዝቢ ናብ ዳርጋ 45 000 ወሰኸ።


1700-ክፍለ ዘመን

(1700-talet)

እቲ ነቲ ዝነደደ ግምቢ ትረ ክሩኑር ዝተከአ ሓድሽ ግምቢ ኣብ 1754 ዓመተ ምህረት ተሃኒጹ ተወዲኡ። ነቲ ግምቢ ንምስላም ካብ ጀምርመን፡ ዓዲ ጥልያንን ፈረንሳን ስነጥበባውያን ተጠቂሞም። ብዙሓት ስነጥበባውያን ኣብ ስቶክህልም ስለዝተረፉ እቲ ናይ ባህሊ ሂወት ማዕቢሉ። ካርል ሚካአል በልማን ብዛዕባ ናይ ደቂ ስቶክሆልም ሂወት ደርፍታት ጽሒፉ። እዞም ደርፍታት እዚኣቶም ክሳብ ሕጂ እዮም ዝድረፉ። ስቶክሆልም ክትዓብይ ስለዝቐጸለት ኣብ 1790 ዓመተ ምህረት ኣብ’ታ ከተማ ዳርጋ 72000 ሰባት ይነብሩ ነይሮም።


1800-ክፍለ ዘመን

(1800-talet)በቲ ኣብ እዋን ሓያሎ ለበዳታት ዝተመላለሰ ብሕማም ኮለራ ብዙሓት ሞይቶም እዮም። ኣብ መፋርቕ 1800- ክፍለ ዘመን እታ ከተማ ናይ ማይ መስኖታት ምስተገብረላ እቲ ማይ ስለዝጸረየ ሞት ህጻናት ጎዲሉ። ኣብ’ታ ከተማ ብዙሓት ፋብሪካታት ስለዝተሃንጻ ብዙሓት ሰባት ካብ ገጠራት ናብ ስትክሆልም ግዒዞም። እቶም መብዛሕትኦም ኣብ ጸቢብ መንበሪታት እዮም ዝቕመጡ ነይሮም። ይኹን እምበር እቶም ሃብታማት ስድራቤታት ኣብ ገፋሕቲ ገዛውቲ እዮም ዝቕመጡ ነይሮም። ኣብ 1852 ዓመተ ምህረት ናይ 6-ዓመት ህዝባዊ ትምህርቲ ተሓጊጉ። ስቶክሆምል ክትዓብይ ቀጺላ ከምኡ’ውን ኣብ 1880 ብዝሒ ህዝኢ ዳርጋ 200000 ነይሩ።

 


1900-ክፍለ ዘመን

ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ስቶክሆልም ሕጽረት ምግቢ ነይሩ። ኣብ’ቶም መናፈሻታት ኣብ ክንዲ ዕማባብታት ካውሎ ይዝራእ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ንኸድምጻ ተቓሊሰን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ 1921 ምርጫ ንምጀመርያ ግዜ ከድምጻ ክኢለን።

ምእንቲ ደቂ ስቶክሆልም ገዛዎቶም ከካርዩ ክኽእሉ ከም’ውን ኣብ ጸቢብ ምቕማጥ ንኸየድልዮም ናይ ኣባይቲ ኩባንያ ቆይመን። ብዙሓት ከባቢታት ከተማ ክዓብያ ጀሚረን።

እቲ ናይ ሓባር ድሕነት ሕብረተሰብ ማዕበለ፡ ንኣብነት ክንክን ኣረጋውያን፡ ቅድሚ ትምህርትን ሕክምና ቤትን ተሃንጸ። መንገዲ ሓዲድ/ትራም፡ ኣውቶቡሳትን፡ ብትሕቲ መሬት መጓዓዝያታትን ጽርግያታትን ዘለዎ ዝያዳ ትራፊክ ኮነ። ናብ ሽወደንን ናብ ስቶክሆልም ካብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕት ሰባት ተሰደዱ፡ ካብኣቶም ብዙሓት ኣብ’ተን ከባኢ ከተማ ከም ሪንከቢን ሁስቢን ገዛውቲ ተዋሂቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡሎፍ ፓልመ ኣብ 1986 ዓመተምህረት ኣብ ስቨያቨገን ተቐትለ።


2000-ክፍለ ዘመን

ቅድም እቲ ኮሙን እዩ ንቅድሚ ትምህርትታት፡ ቤት ትምህርትታን ማእከል ክንክናትን ዝውንኖም ነይሩ፡ ሕጂ ካብኣቶም ብዙሓት ናይ ግሊ ዋንነት ዝአለዎም እዮም። ብዙሓት ገዛውቲ ከምኡ እውን ከም ሃማርቢ ሽዮስታድ፡ ብዝሒ ህዝቢ ክውስኽ ስለዝቕጽል ዘሎ  ሕድስቲ ከባቢታት ይህነጽ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ 2020-2021 ዓመተ ምህረት ኣብ ስቶክሆልም 975 000 ሰባት ይቕመጡ ነይሮም።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter