ክንክን ጥዕና ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም

(Vård i Stockholms län)

 

1177 መምርሒ ክንክን

(1177 vårdguiden)

1177 መምርሒ ክንክን ብዛዕባ ሕማምት ከምኡ’ውን ምእንቲ ክንክን ክትወሃብ ኣበይ ከምትውከስን ሓበሬታን ምኽርን ይህብ። ኣብ ሽወደን ኣበይ ትርከብ ብዘየገድስ ኣብኡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታን ብምድዋልን ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ሓገዝ ክትወሃብ ትኽል ኢኻ። እቲ ቁጽሪ ስልኪ 1177 እዩ ከምኡ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ 1177.se እዩ። ነቶም ሕቶታትካ ኣለይቲ ሕሙማት ኣየን ዝምልሰኦ። ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ምስ ክንክን ሕማምን-ጥዕና ዝሰርሑ ብምስጢር ምዕቃብ ቅዩዳት እዮም።


ኣውራጃ ስቶክሆልም

(Region Stockholm)

ኣውራጃ ስቶክሆም (ቀድም ናይ ኣውራጅ ስቶክሆልም ምምሕዳር ሕክምና Stockholms läns landsting) ናይ እቶም ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዝቕመጡ ናይ ጥዕናን-ሕማምን ከምኡ’ውን ናይ እቲ ዘድልዮም ክንክን ስኒ ክንክን ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ሓገዝ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ምኽሪ ብምንገዲ ተለፎን፡ ህጹጽ ክንክን፡ ሕርስን ክንክን ስኒን ዝሓቘፈ እዩ። እቲ ኣውራጃ ልዕሊ ሚዛን፡ ሽጋራ ምትካኽን ወልፊ ኣልኮሆልን ሓሽሽን ብምቕናስ ናይ ደቂ ሰባት ጥዕና ንምምሕያሽ እውን ይሰርሕ እዩ።


ውሃብ ክንክን ናይ ምምራጽ መሰል

(Rätt att välja vårdgivare)

ናይ ኣውራጃ ስቶክሆልም ሕሙማት ናብ ኣበየናይ መቐበሊ ክንክን ንክኸዱ ባዕሎም ክመርጹ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ናብ ኣብ ሓጺር ናይ ምጽባይ ግዜ ዘለዎ ካልእ ኮሙን ዝርከብ ማእከል ክንክን ክትከይድ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ማእከል ክንክንካ ብንጥፈት ምምራጽ የድልየካ፡ ንኣብነት ብመንገዲ Alltid Öppet ኣፕ ገይርካ። እቲ መሰል ናይ ምምራጽ እዚ  ንብዙሓት ካልኦት ወሃብቲ ክንክን እውን ይምልከት እዩ፡ ንኣብነት ከም ናይ ወሊድ ክንክንን ማኣከላት ክንክን ህጻናትን።


ማእከል ክንክን ኣብ ስቶክሆልም

(Behandlingscenter i Stockholm)

ኣብ ስቶክሆልም ቀይሕ መስቀል እተካይዶ ንኣብ ውግእ ዝተሃስዩን ዝተሳቐዩን ሓደ ማእከል ክንክን ኣሎ። ንካብ ናይ ውግእ፡ ስቅያትን ብርቱዕ ናይ ስቅያት ተመክሮታትን ትራውማ/ስንባደ ዝሳቐዩ እዮም ዝሕግዙ። ናይ ምሉእ ኣውራጃ ስቶክሆልም ተቐማጦ ሓገዝ ክወሃቡ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብ’ቲ ማእከል ስቶክሆልም ዝርከብ ክንክን ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።


ኣገልግሎት ተርጓሚ ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም

(Tolktjänster i Stockholms län)

ኩሉ ሰብ ክርደኦ ዝኽእል ሓበሬታ ክወሃብ መሰል ኣለዎ። ቋንቋ ሽወደን ዘይመልኩ ሰባት ናብ ሕክምና፡ ክንክን ስኒ ወይ ኣብ ምስ ኮሙናትን ሰበ ስልጣናትን ርክባት ናይ ተርጓሚ መሰል ኣለዎም።

ካብ ክፍሊት ነጻ ኣዩ ከምኡ’ውን ተርጓሚ ብምስጢር ምዕቃብ ይቕየድ እዩ።


ማእከል ስግረ ባህላዊ

(Transkulturellt centrum)

ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ማእከል ስግረ ባህላዊ ኣሎ። ብዕማም ናይ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዝሰርሕ ሓደ ናይ ፍልጥት ማእከል እዩ። እቲ ማእከል ኣብ’ቲ ናይ ኣውራጃ ክንክን ኣብ ባህሊ ምርኻብ ዘተኮረ እዩ፡ ስለ’ዚ ካብ’ቶም ዘወፍዮም ነገራት ሓደ ንናይ ክንክን ሰራሕተኛ ስልጠና ይህብ።

ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ብዛዕባ ጥዕና ብዝተፈላልየ ቋንቋታት ፊልማት ኣሎ።

ፊልማት ብዛዕባ ጥዑያት ልምድዳት (Filmer om hälsosamma vanor)

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter