መምርሕን ደገፍን

(Vägledning och stöd)

ኣብ ብዙሓት ኮሙናት ንሕትቶታካ መልሲ ፡ናይ ሕብረተሰብኣዊ መመርሕን ናይ እቲ ኮሙን ንጥፈታት ሓበሬታን ክትወሃብ ክትከዶም ትኽእል ሓደ ወይ ብዙሓት ቦታታት ኣለው። እዞም ቦታታት እዚቶም ንኣብነት ማእከል መራኸቢ ቤት ጽሕፈት ዜጋ ወይ ማእከል ኣገልግሎት ይበሃሉ። ሓደ ካብ’ቲ ክትወሃቦ እትኽእል ሓገዝ፡ ፎርም ምምላእን ምስ ሰበ ስልጣን ኣብ ርክብ ምግባርን እዩ። ኣብ ውሱናት ቤት ጽሕፈታት ናይ ሕግን ቁጠባን ምኽሪ ሕቶታት እውን ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ቤት ዜጋ ኣብ ቦትሺርካ

ቤት ዜጋ ኣብ ቦትሺርካ ኣብ ኣልቢ፡ ፊትያ፡ ሃሉንዳ፡ ቱሊንገን ቱምባን ኣሎ።

 

ማእክለ ኣገልግሎት ኣብ ሁዲንገ

ኣብ ማእክለ ሁዲንገ ሓደ ማእከል ኣገልግሎት ኣሎ።

 

ማእከል ኣገልግሎት ኣብ የርፈላ

ኣብ የርፈላ ሓደ ማእከል ኣገሎት ኣብ ያኮብስበርይ ኣሎ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜጋ ኣብ ስቶክሆልም

ኣብ ስቶክሆልም 10 ቤት ጽሕፈታት ዜጋ ኣለው፡ ገለ ካብኣቶም ኣብ ብሩማ፡ ሁስቢን ሮግቨድን ኣለው።

 

ማእክለ ርክብ ኣብ ሶደርተልየ

ኣብ ሶደርተልየ ንሕቶታክ መልሲ ኣትወሃብሉ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ማእከል መራኸቢ ኣሎ።

 

ዝተረፉ ኮሙናት

ንቤት ጽሕፈት ዜጋ/ማእክለ መራኸቢ ኣብ ዝተረፉ ኮሙናት፡ ምስ ኮሙንካ ርክብ ግበር ክሕጉዝኻ።

 


 

ናይ መንግስቲ ማእከል ኣገልጎት

(Statens servicecenter)

ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልጎት መምርሕን ኣገልጎትን ክትወሃብ ትኽእል ኢኽ። ዝተፈላልየ ሰበ ስልጣናት፡ ከም ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ፡ ካሳ ውሕስነት፡ ሰበ ስልጣን ጥሮታ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥርኑፋት እዮም፡ ስለዝኾነ ንዜጋ ብዝተፈላለይ ጉዳያት ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

ኣየናይ ሓገዝ ከወፍዩ ከምዝኽእሉ ዝያዳ ሓበሬታን ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆም ኣበይ  ከምዝርከቡን ኣብ

ናይ መንግስቲ ናይ ማእከል ኣገሎት መርበብ ሓበሬታ ኣሎ። Statens servicecenters webbplats

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter