ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝተምስረተ ሕብረተሰብ

(Välfärdssamhället)

ሽወደን ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ሓደ ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ኢሉ ዝጽዋዕ እያ። ናይ ሓባ ድሕነት ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰባት ኩነታት መናባሮ፡ ንኣብነት ቁጠባ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲን መቐመጥን ዝምልከት እዩ።

ሓደ ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝምስረት ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ናይ ሓድነት ሓሳብ ዝምስረት እዩ – ኩሎም ሰባ ትኣብ’ቲ ናይ ሓብር ድሕነት ከበርክትኑ ተኻፍለነት ክህልዎም ኣለዎም። ምንቲ ንኽከኣል እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ዘሎ ምንጭታትን ገንዘብን ንረብሓ እቶም እብ ሕማቕ ዘለው እዩ ከማቓቕሎ ዝፍትን። `ኣዚ ብመንገዲ ስርዓት ቀረጽ እዩ ዝፍጸም።
 


ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ታሪኽ

(Välfärdssamhällets historia)

ሽወደን ኩሉ ግዜ ኣዮኮነትን ሓደ ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝተመሰረት ሕብረተስብ ነይራ። ኣብ መፋርቕ 1800- ክፍለ ዘመን ሽወደን ሓንቲ ድኻ ሃገር እያ ነይራ። ሽዑኡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ እቲ ህዝቢ ኣብ ሕርሻ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

ካብ መፋርቕ 1800- ክፍለ ዘመን ክሳብ 1930 ዳርጋ 1,3 ሚልዮን ሽወደናውያን ናብ ካልኦት ሃገራት ብዝያዳ ናብ ሰሜን ኣመሪካ ተሰዲዶም እዮም። ሓደ ካብ’ቲ ብዙሓት ሰብታ ዝተሰደሉ ምኽንያት ድኽነት፡ ናይ ሃማይኖት መጥቃዕቲ፡ እምነት ኣብ መጻኢ ምጉዳልን ፖለቲካዊ ዘይናጽነትን እዩ።

ኣብ መወዳእታ 1800- ክፍለ ዘመን ሽወደን ካብ ናይ ሕርሻ ናብ ናይ ኢንዳስትሪ ሕብረተሰብ ተቕይራ። እቶም ኢንዳስትሪታት ኣብ’ቶም ናይ’ታ ሃገር ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ከም ማዕድን ሓጺን፡ ጫካን ናይ ማይ ጻዓትን እዮም ተሃኒጾም። ኣብ ክሊ እቶም ኢንዳስትሪታት እቶም ናይ ኢንዳስትሪ ሰራሕተኛን ስድራቤታቶምን ዝቕመጥሉ፡ ዝኸድሉ ቤት ትምርህትን ክንክን ጥዕና ዝወሃቡሉን ማሕበረሰባት ተሃኒጸን። እቲ ማሕበራዊ ሓልዮት ኣብ ጥቓ እተን ኢንዳስትሪታት ዝማዕበላ ነቲ ናይ ሎሚ ኣብ ናይ ሓባር ድሕነት ዝምስረት ሕብረተስብ መሰረት ኣቐሚጠን እየን።

ኣብ መወዳእታ 1920 -ክፍለ ዘመን ካብ እቲ ህዝቢ ነቶም ናይ’ታ ሃገር ምንጭታት ብማዕርነት ክካፈሎ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ብዛዕባ ኣምር ፎልክ ሀመት/ህዝባዊ ገዛ ይዝረብ ነይሩ።

ምስ ኢንዱስትሪያውንነትን ብዛዕባ ናይ ፎልክ ሀመት/ህዝባዊ ገዛ ሓሳብን በብቑሩብ እቲ ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ድሕነት ማዕቢሉ። እንድሕር ሓደ ሰብ ሎሚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሰሪሑ ነብሱ ክኽእል ዘይክኢሉ ሓደ ቁጠባዊ ውሕስነት ይህብ። ማሕበራዊ ድሕነት ብመንግስታዊ ትካል ካሳ ውሕስነት እዩ ዝእለ።
 


እቲ ናይ ሓር ድሕነት ብኸመይ እዩ ዝኽፈል?

(Hur betalas välfärden?)

እቲ ዋጋ ናይ ሓባር ድሕነት ዓብይ እዩ። ብቐረጻት፡ ብናይ ሓባር ክፍሊታትን ብናይ ወሃብ ስራሕ ክፍሊታትን እዩ ዝኽፈል።

ኩሉ ሰብ ናይ ኣታዊኡ ቀረጽ ይኸፍል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ኩሉ ትዕድጎ ፍሉይ ቀረጽ ትኸፍል ኢኻ፡ እዚ ከኣ ቫት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናይ ሕማም ክንክ፡ ክንክን ስኒ ወይ ክንክን ኣረጋውያን ከድልየካ እንከሎ ሓደ ክፋል ጥራይ ኢኻ ትኸፍል። እዚ ክፋል’ዚ ናይ ሓባር ክፋል ይበሃል። እቶ ዝተረፉ ወጻኢታት ብመንገዲ ቀረጽ እዮም ዝኽፈሉ።

እቲ ወሃብ ስራሕ ብጀካ ንሰራሕተኛታት ደሞዝ ምኽፋል ኣውን ንመንግስቲ ሓደ ክፍሊት ይኸፍል እዩ። እቲ ክፍሊት ናይ ወሃብ ስራሕ ክፍሊት ይበሃል።

 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter