ሓድሽ ኣብ ሽወደን

(Ny i Sverige)

ኣብ ሽወደን ሓድሽ ምስትኸውን ክትሕስበሎም ዘለካ ሓደ ሓደ ነገራት ኣለው። ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሃገራዊ ምዝገባ ክትምዝገብ የድልየካ እዩ። ምእንቲ ካብ’ቲ ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ውሕስነት ስርዓት ክትሳተፍ ክትክል ኣብ ቤት ካሳ ውሕስነት እውን ክትምዝገብ ኣለካ።


ህዝባዊ ምዝገባ

(Folkbokföring)

ኣብ ህዝባዊ ምዝገባ ምዝጉብ ማለት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ምዝጉብ ከምኡ’ውን ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ኮሙን ትቕመጥ ማለት እዩ። ህዝባዊ ምዝገባ ምስተመዝገብካ ሓደ ግላዊ ቁጽሪ ትወሃብ።

ብዙሓት ዘለካ መሰላትን ግዴታታትን ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ምምዝጋብካን

ኣብ ዝተመዝገብካሉ ቦታን እዩ ዝምርኰስ።

መስል ናይ ቆልዓን ናይ ገዛ ኽራይን ሓገዝ ኣብ ህዝባዊ ምዝገባ ምዝጉብ ምዃንካ ዝተመርኮሰ እየ። ግብርኻ ኣበይ ትኽፍልን ተድምጽን እውን ህዝባዊ ምዝገባ ኣበይ ተመዝጊብካ ኣለኻ ዝተመርኮሰ እዩ።


ናይ ሓደሽቲ መጻእቲ ዑቕበኛታት መትከል እግሪ

(Etablering av nyanlända flyktingar)

ንዓኻ 20 ዝመላእካ ግን 66 ዓመት ዘይመላእካ ከምኡ’ውን ከም ዑቕብኛ ኣብ ሽወደን ናይ መቐመጢ ፍቓድ ዘለካ፡ ብስልዒት ዝመጻኻ ዑቕበኛ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ፍቓድ ዝረኸብካ ወይ ናይ ካብ እዚኣቶም ሓደ ዘመድ ዝኾንካ ንዓኻ ዝምልከቱ ፍሉያት መሰላት ኣለው። ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ኣብ’ቲ ናይ መትከል እግሪ መደባት ንኽትካፈል ከምኡ’ውን ክፍሊት መትከል እግሪ ክትወሃብ መሰል ኣለካ።


መደብ መትከል እግሪ

(Etableringsprogrammet)

ምስ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ በዓል መዚ ሓቢርካ ሓደ ናይ ክልተ ዓመት መደብ ዕዮ ይሕንጸጽ። ሓደ ኣብ’ቲ መደብ ዝጠቓለል ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክውፈ ዘለዎ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ እዩ። ምልላይ ሕብረተ ሰብ ጽቡቕ መጀመሪ ኣብ ሽወደን ሓደ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝህብ ብቋንቋ እደኻ ወይ ብንስኻ ኣዚኻ እትኽእሎ ካልእ ቋንቋ ሓደ ኮርስ እዩ!

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ መደብ መትከል እግሪ ብዝተፈላልየ ቋንቋታት ሓበሬታ ኣሎ።

 


 

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter