ሽወደንን ቋንቋን

(Sverige och språk)

እብ ሽወደን በቶም ዝበዝሑ ሰባት ቋንቋ ሽወደን እዩ ዝዝረብ፡ ወይ ከም ናይ ኣደ ወይ ከም ካልኣይ ቋንቋ። ግን ሽወደን ሓደ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረብ ሕብረተሰብ እዩ። ካብ ቋንቋ ሽወደን ወጻኢ እዞም ዝስዕቡ ቁንቋታት ኣለው፡

  • እቶም ሃገራውያ ናይ ብቑጽሪ ንኡስ ዕብሉል ጉጅለ ቋንቋታት። እቲ ብጀካ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ሽወደን ንነዊሕ ዝጸንሐ ቋንቋ ከምኡ’ውን ልክዕ ከም ቋንቋ ሽወድን ከም ኣካል ናይ ሽወደን ባህላዊ ውርሻ ኮይኑ ዝረአ ቋንቋ እዩ። እዚኦም ከኣ ቋንቋ ፊንላንድ፡ ይዲሽ፡ መኤንኬሊ፡ ሮማኒን ሳሚን እዮም።
  • እቲ ቋንቋ ሽወደን ብምልክት
  • ከምኡ’ውን ናይ ካልእ ቋንቋታት ተዛረብቲ ናብ ሽወደን ስለ ዝጋዓዙ ካልኦት ብዙሓት ቋንቋታት ይዝውተሩ እዮም። እንግልዝኛ ሓደ ኣብነት ናይ እዘን ቛንቛታት እዩ፡ ከምኡ’ውን ዓረብኛን ፋርስን፣

ምእንቲ ቋንቋ ሽወድንን እቲ ቋንቋዊ ብዙሕነት ኣብ ሽወደን ክሕለው ነቲ ናይ ቋንቋ ደረጃ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ዘመዓራርይ ሓደ ናይ ቋንቋ ሕጊ (2009:600) ኣሎ። እቲ ናይ ቋንቋ ሕጊ ቋንቋ ሽወደን እቲ ርእሰ ቋንቋ ኣብ ሽወደን እዩ ዝብል። እዚ ከኣ ቋንቋ ሽወደና እቲ ሓባራዊ ቋንቋ ኣብ ሽወደን ማለት እዩ። ኣብ ኩሉ ናይ ሕብረተሰብኣዊ መዳያት ክዝወተር ክኽእል ኣለዎ፡ ንኣብነት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን መንግስታዊ ትካልታን ርክባት።

እቲ ቋንቋ ሽወደን ብምልክት በቶም ናይ ብምልክት ቋንቋ ተዛረብቲ ብጸማማትን ብናይ ምስማዕ ማህሰይቲ ዘልዎምን ቤተ ሰቦምን እዩ ዝዝውተር። እዚ ምስ እቶም ናይ ብቁጽሪ ንኡስ ዕብሉል ጉጅለ ሃገራዊ ቋንቋታት ክማዓራረ ባይቶ ካብ ቀደም ኣፍልጦ ሂቡ እዩ።

ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘይካ ቋንቋ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ኣደ ዝለዎም ተመሃሮ ናይ ኣደ ቋንቋ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም።


ተርጓሚ

(Tolk)

ኩሉ ሰብ ክርዳእ ዝከኣል ሓበሬታ ንኽወሃብ መሰል ኣለዎ። ቋንቋ ሽወደን ዘይመልኩ ሰባት ናብ ሕክምና፡ ክንክን ስኒ ወይ ካልእ ምስ ምምሕዳራትን መንግስታዊ ትካላትን ርክባት መሰል ናይ ተርጓሚ ኣለዎም። ሓደ ተርጓሚ ኣብ መንጎ ዝተፈላልዩ ቋንቋታት ኣብ ምትርጓም ዝሰርሕ ሰብ እዩ። ካብ ክፍሊት ናጻ ከምኡ’ውን እቲ ተርጓሚ ምስጢር ምዕቃብ ቅዩድ እዩ።

RSS
Follow by Email
Facebook
Twitter